ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዝተጀመረ ፓለቲካዊ ዘተ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዝተጀመረ ፓለቲካዊ ዘተ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ሎሚ መዓልቲ ንሳልሳይ ግዘ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ÷ ቅድም ክብል ዝተበፅሐ መምርሒ ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ብምዝኽኻርን ዝተጀመሩ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ናይ ምፍላይ ከይዲ ብምዝዛም ኣብ ቅደም ተኸተል እቶም ቶም ዛዕባታት ተመያይጦም፡፡

ድሕሪ እቲ ዘተ እውን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዛዕባ ዝተፈለየ ዘላቒ ሰላም ምስ ምርግጋፅ ተተሓሒዙ ብዝርዝር ልዝብ ብምግባር ክልቲኦም ፓርቲታት ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ብሓባር ብቖራፅነት ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ፡-

  1. ኣብ ቀረባ እዋን በራያ ዝተፈጠረ ናይ ጎንፂ ኣጋጣሚ ብዝምልከት ብዝርዝር ዘተ ብምግባር፣ እቲ ኣጋጣሚ ክፍጠር ዘይነበሮን ካብ መጀመርትኡ ምስ ከይዲ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዝፃረር ከምዝኾነ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።
  2. ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲን ብልዝብን እናፈትሑ ንምኻድ ክልቲኦም ኣካላት ናይ ባዕሎም ፓለቲካዊ ብፅሒት ንምውፃእን ብቖራፅነት ንምስራሕን ተስማዕሚዖም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዝህልዉ ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ከይዲ ሰላም ዝድግፉን ጎንፂ ዝቕስቅሱ ዘረባታትን ትሕዝቶታትን ዝተቖጠቡ ንኽኾኑ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።

  1. ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ዝፈጥር ኣዝማሚያ ብሓባር ንምክልኻልን እንተተፈጢሮም ድማ ብቕልጡፍ ንምቁፅፃር ብቖራፅነት ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
  2. ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ባይታ ንምውራድ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንምዕዋት ምቹው ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍጣር ክልቲኦም ፓርቲታት ሓላፍነቶም ንምውፃእ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡

ኣብ ቀፃ ድማ ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ንምዝታይ ብምስምዕማዕ ናይቲ ዕለት ምኽክር ዛዚሞም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment