ኣብ ሞንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳ ተፈቲሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳ ከምዝተፈትሐ ብዘተ ተገሊፁ።

ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ፈተና ንምፍታሕ ኣቦታት ሃይማኖት ክልቲኦም ወገናት፣ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድን ዓበይቲ ዓዲን ብሓባር ምኽክር ገይሮም፡፡

ሓድነት ዘፅንዕን ኣገልግሎት ዘስፍሕን መገዲ ምኽታል ግቡ ከምዝኾነ ብምእማን ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡

ምስ ቋንቋ ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረቶ ስራሕ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተሓሩ፡፡

ነዚ ድማ በጀትን ምጥንኻር ሓይሊ ሰብን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እምነት ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ንምጥንኻር ዘኸእሉ መሰልጠኒ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን ንኽጠናኸሩን ኣቢያተ እምነት ንወለዶ ንምስጋር ክፍትሑ ዘለዎም ስራሕቲ ንምስላጥ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment