ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝግበር ሰለስተኣዊ ድርድር ትማሊ ቀፂሉ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ሰለስተኣዊ ድርድር ትማሊ ቀፂሉ ውዒሉ።

ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ሞንጎ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝካየድ ናይ ሓባር ኣኼባ፥ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ብኣተሓባባርነት ሕብረት ኣፍሪካ ምስላጥ ምጅማሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተሓጊዙ ትማሊ ዝተጀመረ ኣኼባ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣንፈት ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅት ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ተዓዘብቲ ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት እናተሳተፉ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment