ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ርክብ ታሪኻዊን ኣብ ጥንኩር መሰረት ዝተሃነፀን ኢዩ – ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ርክብ ታሪኻዊን ኣብ ጥንኩር መሰረት ዝተሃነፀን ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ ንኽኸውን ኣብ ዘኽእል ሃገር ለኸ ወፍሪ ተረኺቦም ብዝገበሩዎ መደረ፥ ብብዙሕ ፈተና ዝሓለፈ ጥንኩር ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ርክብ ታሪኻዊን ኣብ ጥንኩር መሰረት ዝተሃነፀን ከምዝኾ ዝሓሩ ኣምባሳደር መለስ፥ እዚ ድማ መራሕቲ ዝተፈላለየ ወለዶ ክልቲአን ሃገራት ዝመስረቱዎ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ዝቕፅል መረፃ ኬንያ ብሰላማዊ መገዲ ንኽዛዘም ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment