ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ዘሎ ርክብን ኢንቨስትመንት ዕዳጋን እናማዕበለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን  ኢንዶኔዥያን ዘሎ ርክብን ኢንቨስትመንት ዕዳጋን እናማዕበለ ከምዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣል ቡስይራ ባስኑር ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ÷ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዲፕሎማሲያዊ ብኹለመዳይ ዓውዲ እናማዕበለ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ እናማዕበለ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ ዶላር 70 ሚሊዮን ዋጋ ዕዳጋ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዕዳጋ ዝበለፀ ንክምዕብል፤ ስራሕቲ ምትሕብባር ክስራሕ እዩ እውን ኢሎም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ኣምባሳደር ብርክት ዝበሉ ሰብ-ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ  ኢንቨስት ንክገብሩ ምችው ኩነታት ምህላዉ ኢዩ፡፡

ዲፕሎማሲ ኢንዶኔዥያ 80 ሚኢታዊት ትኹረት ዝገብሮ ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኢንዶኔዥያ ጡጥ፣ ቆርበት፣ ቅመማ ቅመማትን ቡንን ብስፍሓት ካብ ኢትዮጵያ ከምትሽምት አምባሳደር ኣል ቡስይራ ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ድማ ዘይቲ፣ ሳሙና፣ ወረቐት፣ ውፅኢት ኤሌክትሮኒክስን መፀባበቒ ናውትታትን ካብ ኢንዶኔዥያ ኣታዊ እናገበረት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ክሳብ ሐዚ እውን ኣብ አርባ ምንጭ፣ ባህር ዳር፣ ኣዋሳን  ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኦሮሚያ ምስ  ዩኒቨርሲቲታት ኢንዶኔዥያ ተሓባቢሮም ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ እውን ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያ ዘሎ ርክብ ዲፕሎማሲያዊ ምግባር ዝተጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1961 ከምዝኾነ መረዳእታታት የመላኽቱ፡፡

Comments (0)
Add Comment