ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ጉዳያት ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንመሃብን ኣብ ጉዳያት ገበንን ሓበራዊ ምትሕብባር ሕጊ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።
ኣብ ጉዳያት ፍትሒን ገበንን ዝግበሩ ምትሕብባራት ኣድለይቲን ኣብ ምክልኻል ገበን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎምን ተሓቢሩ፡፡
ኢትዮጵጵያ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ገበን ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ዝገለፁ ሚኒስትር ዲኤታ ፍትሒ ኣለምኣንተ ኣግደው፥ ምስ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ጉዳያት ገበን ዝግበር ሓበራዊ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ምክትል ሚኒስትር ፍትሒ መንግስቲ ቱርኪ ያኩፕ ሞጉል ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዝድለዩ ገበነኛታት ኣብ ዝኾነ እዋን ብቅልጡፍ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ኣለዎም ምባሎም እውን ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።