ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣለማየሁ ተገኑ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምድንፋዕን ፍርያታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሩሲያ ዝኣትዉሉን ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕ ወደብ ምይይጥ ተኻይዱ።
በቶም ኣምባሳደር ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ኢካተርኢና ለቤዴቫ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘትዮም።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ወደብ ፍርያታት ኢትዮጵያ ዝኣትዉሉ ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ለኣኽቲ ኩባኒያታት ንግዲ ምትእስሳር ዝፈጥሩሉ መገዲ ንምምዕርራይ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ።
እቶም ኣምባሳደር ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ብዝምልከት እቶም ሓለፍቲ ከምዘዘተዩሉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com