ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ የድልዮ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ ከምዘድሊ ኣቐባሊ ቃል ፕሬዚዳንት ቱርኪ ኢብራሂም ካሊን ገሊፆም።

ኣባል ሃገር ኔቶ ዝኾት ቱርኪ ምስ ሩሲያን ዩክሬንን ፅቡቕ ርክብ ከምዘለዋ እቶም አኣቐባሊ ቃል ዝተዛረቡ እንትኾ፥ “ቱርኪ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ትፅቢት ዝግበረላ ሃናፂ ግደ እናተፃወተት ትርከብ” ኢሎም፡፡

ኢብራሂም ካሊን÷ ሩሲያ ዝወሰደቶ ናይ ቀረባ እዋን ስጉምቲ ንዩክሬን ካብ ምሓዝ ንላዕሊ ምስ ኣሜሪካን ኔቶን ተደራዲራ ሰላም እቲ ዞባ ንምሕላው ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 100 ሺህ ወታደራታ ናብ ጥቓ ዩክሬን ምፅጋዓ ስዒቡ፤ በወገን ኔቶ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ትኽእል ኢያ ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ኢዩ።

ሩሲያ ብግደኣ፥ “ንዩክሬን ናይ ምውራር ትልሚ የብለይን፤ ወታደረይ እውን ንልምምድ ኢዮም ተኣኻኺቦም” ምባላ ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment