ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ማዕቐፍ ምትሕብባር ለውጢ ንብረት ኣየር ዝፃወር ሕርሻን ዘፈር ማይን ትኹርት ዝገበረ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ቀፃሊ ትልሚ ልምዓት ኢትዮጵያን መፃኢ ትዕዝብቲን ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ምትሕብባር ልምዓ ኣበር ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ሓዊሱ ተወከልቲ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ሚኒስቴር ፕላንናን ልምዓትን ከምኡ እውን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ተረኺቦም።

ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን÷ ቼክ ሪፐብሊክ ንመዛዘሚ ካርታ ጂኦሎጂካልን ሃይድሮጂኦሎጂካልን ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ዝምልከት መብርሂ ቀሪቡ፡፡

ብወገን ሚኒስቴር ፕላንናን ልምዓትን ድማ ኣብ ትራቴጂታት ኣተገባብራ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ሓፂር ገለፃ ተገይሩ።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ መናእሰይ ንምሕጋዝ፣ ምትእስሳር እታወት ምግቢ ኣብ ምፍላጥን መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ንክልቲኦም ሴክተራ ቅድሚት ክወሃብ ንምፍባር ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ።

ጉጅለ ልኡኽ ቼክ ሪፐብሊክ ÷ ሓላፊ ፕሮግራሞች ኤይድ ኣፍሪካ ማርቲን ሴፍርን ምክትል ሓላፊ ምትሕብባር ኤምባሲ ቼክ ሪፐብሊክ ካትሪና ማኖቫን ዝተመርሀ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment