ኣብ ሞንጎ ልዑል መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኢትዮ- ኬንያ ፈተነ ምትሕልላፍ ሓይሊ ብዓወት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኮንቨርተር ስቴሽንን ፕሮጀክት መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኢትዮ- ኬንያ ፈተነ ምትሕልላፍ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ብዓወት ከምዝተጀመረ መካየዲ ስራሕ ሳይት እቲ ፕሮጀክት ቴዎድሮስ ኣያሌው ኣፍሊጦም።

እቶም መካየዲ ስራሕ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ፕሮጀክት 500 ኪሎ ቮልት ልዑል መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ ፈተነ ምትሕልላፍ ሓይሊ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝተተኸሉ ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮ ሜካኒካል መሳርሒታትን ኣቑሁትን ከምኡ እውን ኮሙዩኒኬሽን ዳታ ሲግናል ብዝተፈላለየ እዋን ናይ ምፍታሽን ምፍታንንስራሕ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ ኣይተ ቴዎድሮስ÷ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓይሊ ብምትሕልላፍ (energize ብምግባር) ምስ ኬንያ ዘሎ ርክብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ምፍታን ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment