ኣብ ሞንጎ ህንዲን ኢትዮጵያ ዘሎ ፅቡቕ ምትእስሳር ክጠናኸር ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ህንዲን ኢትዮጵያ ዘሎ ፅቡቕ ምትእስሳርን ሓገዝን ዝበረታታዕ ስለዝኾነ ካብዚ ብዝሐሸ ብርኪ ክጠናኸር ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሽሪ ሮበርት ሼትኪንቶንግ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘተኦም ከምዝሓሩዎ÷ ኢትዮጵያን ህንዲን ብሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዓውዲታትን ብዙሕ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር እናሰርሓ ይርከባ፡፡

ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት እውን ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብቲ ዓውዲ መዋእለ ንዋዮም እናፍሰሱ ከምዝርከቡ፣ ብመንፅር ካልኦት ሃገራት ዝሐሸ ምትሕብባር ክዘለዎምን ኢትዮጵያ እውን ተባሒት ከምዝኾነት ብምሕባር ኣመስጊኖም፡፡

ህንዲ ንኢትዮጵያ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ሴክተር ቤት ዕዮታት ብምትሕብባር ኩለመዳይ ስራሕቲ ምትሕብባር ተጠናኺም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ዶክተር በለጠ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ሽሪ ሮበርት ሼትኪንቶንግን ብግደኦም÷ ህንዲ ኩሉ ግዘ ሰላም፣ ሓድነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ተኽብር ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ብንግዲን ኢንቨስትመንትን ልዕሊ 500 ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ስራሕ ዝበረታታዕ ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ እውን ካብዚ ብዝሓሸ መልክዑ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment