ኣብ ሞቃዲሾ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ናዕቢ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ሞሓመድ ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ኣብከተማ ሞቃዲሾ ናዕቢ ተፈጢሩ።

እቲ ናዕቢ፥ ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፀፅታ ነቶም ፕሬዚዳንት ዝድግፉን ዝቃወሙን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሶማሊያ እውን ድምፂ ከበድቲ መሳርሒታት ሓዊሱ ብሞርታር ዝተሓገዘ ተኹሲ ከምዝተሰምዐ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሞቃዲሾ ዝተልዓለ ጎንፂ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናተዛመተ ከምዝርከብ ኣብቲ ሃገር ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀሪሑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ዘበነ ስልጣን መሓሞድ ፋርማጆ ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ለካቲት ይዛዘም እምበር ፓርላማ እታ ሃገር ብኽልተ ዓመት ንኽናዋሕ ምውሳኑ ይፍለጥ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ነቲ ውሳነ ኮኒኖምዎ ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment