ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 45 ሻምፕዮንስ ሊግ ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣፍሪካ 2024 ንምስታፍ ኣብ ሞሮኮ ትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ መዓንቲ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ።

16 ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣብ ዝሳተፋሉ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ጋንታታት ኣል ኣህሊ፣ ኢትዮል ዲ ኮንጎን ሴንተር ዲ ፎርሜሽን ስፖርቲቭ ዲ ኮንዜን ዝተመደበት ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ ግብፃዊት ጋንታ ኣል ኣህሊ ኢያ ክትፃወት።

እቲ ፀወታ፥ ቀትሪ ሰዓት ሸውዓተ ከምዝካየድ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ ይሕብር።

ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ፥ መፃኢ ሰንበት ምስ ጋንታ ኢትዮሊ ዲ ኮንጎ፣ ሰሉስ ምስ ሴንተር ዲ ፎርሜሽን ስፖርቲቭ ዲ ኮንዜን ክትፃወት ኢያ።

እታ ኣብ 2010 ዓ.ም ዝተመስረተት  ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ፥ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበሩ ክልተ ዓመታት ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዕውት ኣፈፃፅማ ነይርዋ።

ኣብ 2016 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኩዕሶ ኢድ ኢትዮጵያ ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment