ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራትን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስ ንኽረኽባ ክሰርሕ ከምዝግበኦ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣገንዚቦም።

ጎድና ጎድኒ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተኻየደ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(ኣይ ኤም ኤፍ)ን፤ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ጉጅለ ሸውዓተ-ኣፍሪካ (G-7 Africa) ተኻይዱ።

ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ እውን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ።

ጣሊያን ብፕሬዚዳንትነት ትመርሖ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ጉጅለ ሸውዓተ-ኣፍሪካ ኣብ ምምሕዳር ዕዳ ዘለዉ ፈተናታት፣ ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ፋርማሲዩቲካል ኣፍሪካ ዘለዉ ኢኒሼቲቫት፣ ሓምለዋይ መሰረተ ልምዓት ከምኡ እውን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘይብዳህን ቀረብ ምትእስሳር ጠሚቱ ዘተ ተኻይዱ።

ኣይተ ኣሕመድ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኢትዮዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ታሪኻዊን ቆራፅነት ዝተመልኦን ፕሮግራማት መመሓየሺ ኢኮኖሚ እናተግበረት ከምትርከብ ገሊፆም።

እቲ መመሓየሺ ፈተናታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፍታሕን ካብ መንግስቲ ዝመርሖ ብውልቀ ናብ ዝምራሕ ኢንቨስትመንት ብምስግጋር ሚዛናዊ ፍልፍል ዕቤት ኣብ ምፍጣር ዘድሀበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክምራሕ ብምግባር ዘለዉ ፀገማት ንምስትኽኻል ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘላቒ ዕቤት ቆራፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ንኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራትን ትሑት ምጣነ ወለድ ዘለዎ ቀረብ ፋይናንስ ንኽረኽባ እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ቀፃልነት ዘለዎ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ከምዘድሊ ምግላፆ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment