ኣብ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ተሳትፎ ሲቪል ማሕበረሰብ ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዝደንት ሳህለ ወርቅ ዘዉዴ ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ወርሒ ደቂ ኣንስቲዮ ኣኼባ ተረኺበን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዉወን ማሕለኻታትን መፍትሒ ሓሳባትን ኣመልኪተን ተዛቲየን።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑ ሲቪል ማሕበራትን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

እተን ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ተሳትፎ ሲቪል ማሕበረሰብ ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ገሊፀን።፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፀውዑ ኣኼባ፥ ሲቪል ማሕበራት ምውዳድን ምትእስሳርን ሲቪል ማሕበራት ሃገራዊ ትልሚ ልምዓት ኣብ ምዕዋት ልዑል ከምዘለዎን ማሕበራት ኣብዚ ጉዳይ ክውደቡ ከምዝግባእን ኣገንዚበን፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ እውን ነዚ ፃዕሪ ዘተሓባብር ኣካል ከምዝተጣየሸ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment