ኣብ ምዕራብ ኣርማጭሆ 134 ኩንታል መዕወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ወረዳ ኣብ ምዕራብ ኣርማጭሆ 134 ኩንታል መዕወኒ ሓሽሽ ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ፖሊስ እታ ወረዳ ሓጋዚ ኢንስፔክተር እንዳልካቸው ተሰማ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ መዕወኒ ሓሽሽ ክተሓዝ ዝኸኣለ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተላዒሉ ብወረዳ ኣርማጭሆ ኣቢሉ ናብ ሱዳን ክኣቱ እንትብል ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ክትትል ፖሊስን ኢዩ፡፡

እቲ ዕኒ ሓሽሽ ብሞተር ሳይክልን ብበዓል ሰለስተ እግሪ ተሸከርከርቲን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓጋዚ ኢንስፔክተር÷ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ሓደ ብሓሙሽተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተቐፅዐን ዝተረፉ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዝርከቡን ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ንፖሊስ ዝገብሮ ሓገዝን ሓበሬታ ምሃብን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment