ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝብል፤ ስፖርታዊ ስልጠናታት፣ ውድድራት ብሓፈሻ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ጠጠው ንኽብሉ ተገይሩ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ንኽለዓል ምውሳኑ ስዒቡ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣይተ ዱቤ ጁሎ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ዱቤ ጁሎ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ናብ ዝነበሩዎ ንምምላስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ተሞክሮታትን ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያን መሰረት ብምግባር ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ዘሰናድኦ ረቂቕ መምርሒ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ብምክያድ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ ክህበሉ ከምዝቐረበ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ፕሮቶኮል መበገሲ ብምገባር ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመሰረት ዘቕረቦ ምኽረ ሓሳብ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ንኽጅመሩ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እምበር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት እንትጅመሩ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ስልጠናታትን ውድድራትን ቅድሚ ምጅማሮም ቁፅሪ ሓይሊ ሰብን ካልኦት ኣድለይቲ ናይ ምክልኻል እታወታትን ምምለኦም ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ካገር ለኸ ማሕበራት ስፖርት ስፖርት እንተጀምሩ በቲ ኮሚሽንን ብሚኒስቴር ጥዕናን ዝወፅአ መምርሒ በቢደረጅኡ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ክትትል ክገብሩ ከምዝግበኦም ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ዝከታተል ብሄራዊ ኮሚቴ፣ ኮሚቴ ጥዕናን ፀፅታን ተጣይሹ ኣድላዪ ክትትል ከምዝግበር እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment