ኣብ ምክልኻል ሃገር ብቑዕ ኣመራርሓ ንምፍጣር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ይስራሕ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብቑዕ ኣመራርሓ ንምፍጣር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ኣብ ዋር ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ንተመረቕቲ ተምሃሮ ሓፂር ኮርስ 2016 ዓ.ም መደረ መምርሒ ገይሮም።

እቶም ተመረቕቲ ናብ ምድብ ቦተኦም እንትኣትዉ ዝቐሰሙዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ብዘበናዊ ሰራዊት ህንፀት ናይ ባዕሎም ርኡይ ግደ ምጭዋት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ስትራቴጂክ ኣመራርሓ ብቑዕ መራሒ ንምፍጣር ብብርኪ ትካል ትልሚ ቀሪፅካ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ዝሓሸ ኣመራርሓ ሰራዊት ንምፍጣር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ህንፀት ስርዓት ዘበናዊ ሰራዊት ብፍልጠትን ክእለትን ዝመርሕ ኣመራርሓን ተምሃራይን ምፍጣር ዝከኣል ከም መከላከያ ዋር ኮሌጅ ዝበሉ ትካላት ብምጥንኻርን ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝማንን ጠንካራ ሰራዊት ምህናፅን ካብ ወገንተኝነት ዝፀረየ ልዕልነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣመራርሓ ምፍጣር ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment