ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምንጋዕ ፀፅታ ጎንደር ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ መንግስቲ ኣፃሪዩ ስጉምቲ ንክወስድ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ኢትዮጵያ ሓቲቱ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ኡመር ኢድሪስ፥ ኣብ ጎንደር ብዘጋጠመ ጎንፂ ብዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ብህፁፅ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ብምፅራይ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ካብ እዋን ናብ እዋን ብኣፎም ሰላም ዝሰብኩ ይኹን እንበር ብጎኒ ሓው ንሓዉ ንክቐትል ዝሰርሑ ኣለዉ ብምባል፥ መነግስቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሎም።
ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ቅትለት ከምዘየምህር ብምግላፅ፥ ኣቦታት ሃይማኖት ህዝቢ ናብ ሓድነት ንክመፅእ ምምሃር ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ሙስሊም ብምትሕብባር ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ክቃለሱን ከውግዙን ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።