ኣብ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ዉፅኢቱን ዝጠመተ መድረክ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ዉፅኢቱን ዝጠመተ መድረክ ዘተ ኣብ ሚሊንየም ኣዳራሽ  ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሼዴ፣ ሚኒስትር ኢነዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋን ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኪቦም፡፡

ኣብ መዳይ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ዘፈር ኢንድስትሪ ምምሕያሻት ዋላ እተተመዝገቡ፤ ብመንፅር እቲ ዘሎ መሓዉራዊ ፀገም ግና ሐዚ እዉን ዝበለፀ ምስራሕ ከም ዘድሊ ሚኒስትር መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሼዴ ብግደኦም÷ “እቲ ሓደ ዓመት ዘቁፀረ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብምዉዳድን ብቖራፅነትን እንተተሰሪሑ ለዉጢ ምምፃእ ከምዝከኣል ዘርኣየ እዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዕበየት ኢኮኖሚ እዛ ሀገር ዘፈር ዉልቀ ዝለዓለ ኣበርክቶ ንክህልዎ÷ ንቐረብ ፋይናንስ ሓዊሱ ካልኣት ዕድላት ምምችቻዉ እጃም መንግስቲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢኮኖሚ ዓለም ብዙሓት ፈተናታት ዘለዎ ምኻኑ ዝገለፁ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ምስጋኑ ኣረጋ÷ ኢትዮጵያ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ እትገብሮ ፃዕሪ ቀፃሊ ምካኑ ገሊፆም፡፡

ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ኮይኑ፤ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘሳልጡ ዉፅኢታት ቴክኖሎጂን ኢንቨስተራትን ከምፅእ ዝክእል ክከዉን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment