ኣብ ምብራቕ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ብግብረ ራዕዲ ሸኔ ተዓፊኖም ዝነበሩ 6 ውልቀ ሰባት ንምልቃቕ ምንቅሳቓሳት እናተገበረ ከምዝርከብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ደሕንነትን ጸፅታን ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሓሙሽተ ተማሃሮን ሓደ ድማ ብስራሕቲ ንግዲ ዝመሓደር ውልቀሰብ ወሲኹ 6 ውልቀ-ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዓፊኑ ከምዝነበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ደሕንነትን ጸፅታን ፌዴራል ኣፍሊጡ ሎሚ መዓልቲ ንመራኸብቲ ሓፋሻት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ዕጉታት ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሶሳ እንትጓዓዙ ወረዳ ሰዮ ጎቡ ምብራቅ ወለጋ ፍሉይ ሽሙ ባፋኖ ኣብ ዝበሃል ቦታ 15 ጥሪ 2014 ዓ.ም ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 10 ብቲ ግብረ ራዕዲ ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ እቲ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡

ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተወዲቦም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓደ ሓደ ከባቢታት ጎንፂን ሁከትን ንምፍጣር ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ÷ ምስ ፀጥታ ደሕንነት ፌደራልን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ኣካላት ፀፅታን ተወዲቦም ብዝወሰድዎ ስጉምቲ እናተደምሰሱ እዮም ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

ፀጥታ ደሕንነት ፌደራልን ምስ  ኣካላት ፀፅታ ክልል ኦሮሚያን ብሓሓባር ብምስራሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እናተገበረ ዘሎ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ ድማ ንቶም ዝተዓገቱ ንምልቃቕ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝርከብን ውፂኢት ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበርን ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment