ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ ዝርከባ ዩንቨርስቲታት ንተፈናቐልቲን ሓይሊታት ፀፅታን ድጋፍ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ ዝርከባ ዩንቨርስቲታት ብ1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ወፃኢ ንተፈናቐልቲን ሓይሊታት ፀፅታን ድጋፍ ገይረን።

ናይ ደብረብርሃን ዩኒቨርስቲ፣ መቅደላኣምባ ዩኒቨርሲቲን ወሎ ዩኒቨርሲቲን ብሓባር ብምዃን ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ከተማ ደሴ ንዝርከቡ ተፈናቐልቲን ኣብ ግንባር ወሎ ንዘለዉ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻን ኢዩ ድጋፍ ተገይሩ።

ናይ ደብረብርሃን ዩኒቨርሲቲ ፕሬዚዲንት ዶክተር ንጉስ ታደሰ ከምዝበልዎ÷ ከም ሃገር ዝገጠመና ሓደጋ ብሓባር ንምምካት እተን ዩንቨርስቲታት ጥምረት ብምፍጣር ድገፍ ገይረን።

ብመሰረት እዚ ክዳውንቲ፣ ዘይቲ፣ ሕሩጭ፣ ሰንጋታት ብሓፈሻ ብ1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ወፃኢ ንተፈናቐልቲን ሓይሊታት ፀፅታን ድጋፍ ገይረን።

ብይከበር ኣለሙ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment