ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ልዕሊ 110 ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ልዕሊ 110 ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናትን ካልኦት ናውቲን ከምዝተትሓዙ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ኮማንደር ናስር መሓመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቶም ኣፅዋራት ኣብ 20 ወረዳታት እቲ ዞባ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ኢዮም ተታሒዞም።

ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተገበረ ተፍቲሽ 103 ሸጓጉጢ፣ 7 ክላሽንኮቭ፣ 25 ዝተፈላለዩ ቡምባታት፣ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝተፈላለዩ ፍረታት ጠያይቲን ካርታታት ጠያይትን ሽጉጥ፣ ክላሽንኮቭ ከምዝተትሓዙ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ቪንቶቭ ፣ኤስኬ ኤስን ካልኦት መሳርሒታት ኲናትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ራዲዮታት ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ምስዚ ብዝተትሓሓዛ 66 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ቤት ፍርዲ መዝገብ ክሲ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም 40 መረዳእታ ይእከብ ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ካልኦት 56 ውልቀ ሰባት ምስ ኦነግ ሸኔን ጁንታ ህወሓትን ብምዃን ይሰርሑ ከምዝነበሩ መረዳእታ ስለዝተረኸቦም ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ኮማንደር ናስር መሓመድ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment