ኣብ ምረቓ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ምርካበይ ሕጉስ ኢየ-ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሎሚ ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ዝተመረቐ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ምርካበይ ሕጉስ ኢየ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ዙር ፕሮጀክት ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ዝተሃንፀ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ  ኣብ ምረቓ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ምርካቦም ሕጉስ ምዃኖም ኣገንዚቦም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ከምዝተመረቐ ይዝከር።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሽይጣት መፅሓፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝተረኸበ ኣታዊ ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ንህንፀቱ 11 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

12 መምሀሪ ክፍሊ፣ ክልተ ቤተ ፈተነን ሓደ ቤተ መፃሕፍቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment