ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንዜጋታት ክልል ትግራይ ዝኸውን ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንዜጋታት ክልል ትግራይ ዝኸውን ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝተዛዘመ ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጁንታ ዘብፀሖ ዕንወት ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ንምሕጋዝ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብር 5 ሚሊየን ካብ በጀቱ ብምንካይ ነዚ ተግባር ንኽውዕል ከምዝመደበ ተገሊፁ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሓገዝ ብምጥንኻር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ውልቀ ሰባት፣ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ሃፍቲ ንምትእኽኻብ ኮሚቴ ብምጥያሽ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተኣተወ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment