ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰበታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየንን ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰበታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየንን ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብን ተታሒዙ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እታ ከተማ ኣይተ ቀነኒሳ ዳዲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዝተትሓዘ ገንዘብ 3 ሚሊየን 751 ሺሕን 830 ብር ኢትዮጵያ፣ 2 ሺሕን 950 ዶላር ኣሜሪካን ገንዘባት ዱባይ፣ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ፣ ፓኪስታንን ኦማንን ኢዮም።

ኣብታ ከተማ ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለከተማ ሰለስተ ዋና ኢንስፔክተር ታደሰ ሁሪሳ፥ እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ገዛ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ዓራት ተኸዚኑ ከምዝነበረን ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ክትትል ውዳበ ኣካላት ፀፅታን ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ገንዘብ ሓደ ፓኪስታናዊ ውልቀሰብ ተኻሪዩ ኣብ ዝነብረሉ መንበሪ ገዛ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ምምሕዳር እታ ከተማ መሰል ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ንምቁፅፃር ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣይተ ቀነኒሳ ዳዲ ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment