ኣብ ምሕደራ ዕድጊት ንብረት ብሬል ዝተሰናደአ ኣዋጅ ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዋጅ ምሕደራ ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ፌዴራል ቁፅሪ 1333/2016 ብቋንቋ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ብብሬል ተሰናዲኡ ንዓይነ ስዉራን ዜጋታት ንኣገልግሎት ቀሪቡ፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ኣዋጅ ብብሬል ንኽሰናዳእ ዝተገበረ ዓይነስዉራን ዜጋታት ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ግንዛበ ንኽህልዎምን ኣዋጃትን ደምቢታትን እንትሰናድኡ ጉዱኣት ኣካልን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘካተቱ ንኽኾኑ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

በዓል መዚ ዕድጊት ንብረትን ምሕደራን መንግስቲ እቲ ኣዋጅ ብብሬል ብምስንዳእ ንዓይነስዉራን ዜጋታት ምቕራቡ ኣርኣያ ዝኸውን ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment