ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንፁን ዜጋታት ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ውዳበ ፀፅታ ምምሕዳር እቲ ከባቢን “ሳምሪ” ብዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንፁን ዜጋታት ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ውዳበ ፀፅታ ምምሕዳር እቲ ከባቢን “ሳምሪ” ብዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ካብ 5 ክሳብ 9 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ከምኡ እውን ኣብ ኣብራሃጅራ፣ ሳንጃ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን ጎንደርን ተዘዋዊሩ ምርመራ ብምግባር ዝረኸቦ ውፅኢት ቀዳማይ ብርኪ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ ፀብፃብ ድማ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፣ ቅትለት፣ ጉድኣትን ዕንወትን ሓፈሻዊ ተግባርን ውፅኢቱን ጭካነ ዝተመልኦ ኣብ ሲቪል ሰባት ዝተፈፀመ ገበን ጭፍጨፋ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ልዑል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰብኣዊነት ዝተፈፀመ ገበንን ገበን ኲናትን ክኸውን ከምዝኽእል ዘመላኽት ስለዝኾነ፥ እቲ ኮሚሽን ዝርዝር ሓበሬታታቱን እቲ ገበን ዘጣይሹዎ ትንተና ፍረነገርን ሕጊን ኣብ ሙሉእ ፀብፃቡ ብዝርዝር ኣፃርዩ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ፀብፃቡ ከምዝተመልከቶ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሚሊሻን ውዳበ ፀፅታ ፖሊስ ስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃዲሙ ነቲ ከባቢ ለቒቑ ቅድሚ ምውፅኡ “ሳምሪ” ምስ ዝተብሃለ ዘይስሩዕ ጉጅለ መናእሰይ ትግራይ ብምትሕብባር ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣይኮኑን ዝበሉዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሲቪላት ገዛ ንገዛ እናተዘዋወሩ ጭካነ ብዝተመልኦን ብግፍዒን ከምዝተቐተሉን ንብረቶም ከምዘዕነዉዎን እቲ ሪፖርት ኣመላኺቱ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ፍልፍላት እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብውሕዱ 600 ሰባት እንትቕተሉ፥ ትኽክለኛ ቁፅሪ ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእለ እውን ኣብሪሁ፡፡

ሳምሪ ዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ገበን ይዋፈር እምበር፤ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝኾኑ ካልኦት ሰባት እቲ ጉጅለ ኣናሃደኖም ዝነበሩ ሲቪል ሰባት ኣብ ገዝኦም፣ ቤተክርስቲያንን ኣብ ሕርሻ ቦታን ሓቢኦም ህይወቶም ከምዘትረፉሎም ኢሰማኮ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ኣረጋጊፆም።

ዋና ዳይሬተር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፥ “ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ብውሑዳት ፅንፈኛ ጉጅለታት ዝተፈፀመ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ኢሰብኣዊ ገበን ልቢ ዝሰብር ይኹን እምበር፤ ብኣንፃሩ ግን ኢትዮጵያውያን ብብሄር እንተይተፈላለዩ ሓደ ንኻሊእ ሓላዊ ኮይኖም ምርኣይ ዝተሰበረ ልቢ ዝፅግን ኢዩ፤ ድሕሪ ሕዚ ብሰላም ሓቢርካ ንምንባር ተስፋ ዝህብ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ዝተጎድኡ ሰባትን እቲ ከባቢ መሊስካ ካብ ምጥያሽ ብተወሳኺ፤ ኣብዚ ከቢድ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ዝተሳተፉ ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ከምዝስራሕ እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment