ኣብ ማእኸል ተሃድሶን መደንፍዒ ክእለትን ነገዋ ስልጠነአን እናተኸታተላ ዝፀንሓ ቀዳማይ ዙር ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ተመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእኸል ተሃድሶን መደንፍዒ ክእለትን ነገዋ ስልጠነአን እናተኸታተላ ዝፀንሓ ቀዳማይ ዙር ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተመረቓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያአን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ሎሚ ኣብ ማእኸል ተሃድሶን መደንፍዒ ክእለትን ነገዋ ስልጠነአን እናተኸታተላ ዝፀንሓ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ናብራ ዝነበራ ዝተውሃበን ስልጠና ብብቕዓትን ብዕዉት ኩነታት ዝዛዘማ ቀዳማይ ዙር ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪቕና” ኢለን።

ተመረቕቲ ሰልጠንቲ ብሓሙሽተ ዲፓርትመንት፣ ብ18 ዘፈራት ሞያ ንዝሓለፉ አርባዕተ ኣዋርሕ ስልጠና ብምውሳድን ምኽሪ ስነ-ልቦናን ብምርክብ ካብ ዝነበረኦ ዝሐፍአ ኩነታት ናብራ ንምውፃእ ሓገዝ እናተገበረለን ዝፀንሓ ከምዝኾና ኣብሪሀን።

ኩለን ሰልጠንቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩለን ሎሚ መዓልቲ ቁልፊ መስርሒ ቦታ ከምዝተረከባ እውን ገሊፀን።

“ማሕበራዊ ፍትሒ ዝዓሰላ ከተማ ንምህናፅ ኣብ ዝጀመርናዮ ስራሕ ንወገናትና ጩራ ተስፋ ብርሃን ዘለምልሙ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ንኽንሰርሕ ኣብ ጎንና ጠጠው ዝበልኩም ሰብ ሃፍቲ ነመስግን” ኢለን።

ብዙሕ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ስብራት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ምፅጋን ከምዝግባእን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

Comments (0)
Add Comment