ኣብ ማእኸል መሐከሚ መቐለ ዝነበሩ 6 ሰባት ካብ ቫይረስኮሮና ድሒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 255 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ሽረ ዝነበረን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮን ሓደ ወዲ 43 ዕድመ ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእኸል መሐከሚ መቐለ ዝነበሩ 6 ሰባት ካብ ቫይረስኮሮና ከምዝደሓኑ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣብ7 ሽሕን 562 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝተመርመሩ 183 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 156 ሰባት ኣብ ማእኸል መሐከሚ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ሓደ ድማ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ክሳብ ሐዚ 26 ሰባት ካብ ቫይረስኮሮና ዲሒኖም እዮም።

ሞት ሓንቲ ንእስቲ ድማ ምግጣሙ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment