ኣብ ማእኸላ ዞባ ጎንደር ኬላ ፍተሻ ሳንጃ 62 ስራሕ ቱርኪ ሽጉጣት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእኸላ ዞባ ጎንደር ኬላ ፍተሻ ሳንጃ 62 ስራሕ ቱርኪ ሽጉጣት ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቶም ሽጉጣት ዝተትሓዙ ትማሊ ረፋድ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጨሆ ከተማ ሳንጃ ኬላ መቆፃፀሪ ፍተሻ ከምዝኾነ ዋና ሓላፊ መምርሒ ፖሊስን ሚዲያ ኮሙዩኒኬሽንን ኮማንደር ውብነህ ኣስናቀው ንግዜኢ ተዛሪቦም።

እቶም መሳርሒታት ኲናት መበገሲኡ ዶብ ሱዳን ካብ ትርከብ ከተማ ኣብራሃ ጅራ ኮይኑ ናብ ከተማ ጎንደር ንምእታው ተሓሲቡ ከምዝነበረ እቶም ኮማንደር ኣብሪሆም፡፡

እቶም ሽጉጣት ቁፅሪ ታርጋ ኮድ 3-08517 ኣማ ኣብ ዝኾነት መመላለሲት ህዝቢ ሚኒባስ ብሕቡእ ኣብ ዝተዳለወ ኣካል እታ ተሸከርካሪት ተሓቢኡ ብፈተሸቲ ጉምሩኽን ፖላዊስን ኣቢሉ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

በቲ ዝውውር ዝተጠርጠረ ገናሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሓጋዚ እታ ተሸከርካሪት ንግዚኡ ከምዝምለጠ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment