ኣብ ማራቶን ቶኪዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማራቶን ቶኪዮ 2023 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዑዎም።

ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ፥ ኣትሌት ዴሶ ገልሚሳ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 22 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዊቱ፡፡

ኣትሌት መሓመድ ኢሳ 2ይ፤ ኣትሌት ፀጋዬ ከበደ 3ይ ብምውፃእ ውድድሮም ከምዝዛዘሙ ካብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ፀሃይ ገመቹ፣ ኣሸቴ በከሬን ወርቅነሽ ኢዶሳን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

Comments (0)
Add Comment