ኣብ ማራቶን ቶሮንቶ ኢትዮጵያውያን አትሌቶች ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቶሮንቶ ኢትዮጵያውያን አትሌቶች ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።

ኣትሌት ዋጋነሽ መካሻ ብደቂ ኣንስትዮ ማራቶን 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 44 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ፡፡

ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ኣትሌት ሙሉጌታ አሰፋ ተዓዊቱ፡፡

ኣትሌት ሙሉጌታ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 16 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ወፂኡ፡፡

Comments (0)
Add Comment