ኣብ ማራቶን ታታ ሙምባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ታታ ማራቶን ሙምባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡

ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን አትሌቶች ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ደረጃ ብመሓዝ ዝዛዘማ እንትኾና÷ ኣበራሽ ምንሰዎ ፣ ሙሉሃብት ፅጌን መድህን ደጀኔን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ተዓዊተን፡፡

ኣይን ኣዲስ ተሾመ፣ በራሽ ደምሴ፣ ኣንቺ ኣለም ሃይማት፣ ኣያንቱ ገመቹን ፋንቱ ገለሳን ክሳብ ሻምናይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚመን፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር እውን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ተዓዊቶም፡፡

ኣትሌት ሃይሌ ለሚ ቀዳማይ፤ ሃይማኖት ኣለውን ምትኩ ጣፋን ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ተዓዊቶም፡፡

Comments (0)
Add Comment