ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውስትራሊያ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።

ብብርኪ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ፕላቲኒየም ዝተውሃቦ ማራቶን ሲድኒ÷ ኣትሌት ወርቅነሽ ኢዴሳ 2:21:40 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ።

ኣትሌት ሩቲ ኣጋ 2:23:09 ከምኡ እውን ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ 2:24:16 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኬኒያዊ ኣትሌት ብሪሚን ሚሶይ 2:06:17 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እንትዕወት፤ ኢትዮጰያዊ አትሌት ጫሉ ደሶ 2:08:01 ብምእታው ካልኣይ ወፂኡ።

ኣብቲ ውድድር ብርቱዕ ንሕንሕ እናገበሩ ዝነበሩ ኣትሌታት ልኡል ገብረስላሴን ታዱ ኣዳቴን ሻድሻይን ሻውዓይን  ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

Comments (0)
Add Comment