ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ከምዝተኻየደ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዝተረኸባሉ ኢዩ፤ እቲ ፎረም ምጥያሽ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ዝተሳለጠ።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ሕቶ መናእሰይ ንምምላስ፣ ፀገሞም ንምፍታሕን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅን ከም ሃገር ኩለመዳይ ስጉምቲ ከምዝተወሰዱ ተዛሪን፡፡

ረቂቕ መምርሒ መጣየሺ እቲ ፎረም ንዘተ ቀሪቡ ከምዝፀድቕ ዝገለፃ ኣምባሳደር ብርቱካን፥ መናእሰይ ኣብቲ ዝጣየሽ ፎረም ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብሩ ፀዊዐን።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ወይዘሮ ኣልማዝ ገበያው ብግደአን፥ መናእሰይ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ምጥያስ ፎሮም ይኹን ኣብ ቀፃሊ ዕላማ እቲ ፎረም ሽትኡ ንኽወቅዕ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ምሕታተን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment