ኣብ መፍረያይነት ስርናይ ዝተረኸበ ውፅኢት መርኣያ ምሽጋር ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፍረያይነት ስርናይ ዝተረኸበ ውፅኢት መርኣያ ምሽጋር ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር 1 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም መዓልቲ ምሽጋር “ናይ ምሽጋር ጥሪታት፤ ዓቕሚ ሓዱሽ ብርሃን” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ምሽጋር ካብ ዘርእዩ ነገራት ሓደ ግብርና ኢዩ፤ ካብዚ ውሽጢ አውን ሰርናይ ብፅሒት ኣንበሳ ይዋፃእ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ክራማት ጥራሕ ልዕሊ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ሰርናይ ዝተሸፈነ እንትኸውን፥ ካብዚ ውሽጢ 70 ሚኢታዊ ብኩታ ገጠም ኣተሓራርሳ ብልሓት ከምዝተሓረሰ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ግብርና ናብ ዘበናዊ ሕርሻ ይሻገር ከምዘሎ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ስርናይ ኣብ እዋን ዝናብ ጥራሕ እንትፈሪ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓማውቲ ግን ብመስኖ ብምዝራእ ልዑል ውፅኢት ከምዝተምዝገበ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment