ኣብ መፋርቕ እዚ ዓመት ብር 442 ሚሊየንን 782 ሺሕን ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ሕብረተሰብ ደገፍ ተገይሩ- ኣይተ ላቀ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብኮንትሮባነድ ዝውውር ዝተትሓዙን ሃፍቲ ህዝቢ ዝኾኑን ብር 442 ሚሊየንን 782 ሺሕን ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ሕብረተሰብ ደገፍ ተገይሩ ከብሉ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፀገም ንዝበፅሖም ኣካላት ማሕበረሰብ፣ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሑጅ ንዝተጎድኡ ወገናት፣ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓደጋ ውሑጅ ንዝተጎድኡ ከባቢታት፣ ንኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ኢትዮጵያን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንፍሉይ ሓይሊ ኣመሓራን ደገፍ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ከምኡውን ካብ ዞባ መተከል ንዝተመዛበሉ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ ኣብ ዞባ ወላይታ ከተማ ሶዶ ነብረቶም ንዝተቓፀሎም ዜጋታትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ዝተፈላለዩ ናውቲታት ደገፍ ተገይሩ ኢሎም።

ሃብቲ ህዝቢ ንህዝቢ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መሰረት ኣብ መፋርቕ እዚ ዓመት ብር 442 ሚሊየንን 782 ሺሕን ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ሕብረተሰብ ደገፍ ተገይሩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment