ኣብ መፋርቕ ባጀት ዘበን 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ክታበታት ህፃናት ምሃብ ክጅመር ኢዩ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፋርቕ ባጀት ዘበን 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ክታበታት ህፃናት ምሃብ ክጅመር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታት ህፃናትን መናእሰይን ዶክተር ኣለማየሁ ሁንዱማ፥ ኣወሃህባ እቲ ክታበት ንምጅማር ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

እቲ ከይዲ ንምዕዋት ኣድላዪ ዝኾነ እታዎት ናይ ምምላእን ፋይናንስ ናይ ምጥዕዓመን ስራሕቲ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

እቶም ሓደሽቲ ክታበታት ብወፍሪን ስሩዕን ምሃብ ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።

እቲ ክታበት ሒንጠያት ምስተወለዱ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ዝወሃብ መከላኸሊ ሕማም ጉበት፣ ቢጫ ዓሶን ዓሶን ክታበት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ሕማም ጉበት ንምቕናስን ኣቐዲምካ ንምክልኻልን ህፃናት ምስተወለዱ እቲ ክትባት ከምዝወሃቦም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ወለዲን ኣዕበይቲን ህፃናት ክኽተቡ ብምግባር ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

Comments (0)
Add Comment