ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ “ኣይሻ ኣንድ” 300 ሜጋ ዋት ምፍልፋል ዘኽአል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ “ኣይሻ ኣንድ” ብ620 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ 300 ሜጋ ዋት ምፍልፋል ዘኽአል ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ኣብቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ኣቦ መንበር ፓወር ኣሚአ ሁሴን ኣል ኖዋይስን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብተመሳሳሊ አሚአ ፓወር ኣብቲ ቦታ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ንኢትዮጵያ ንምሻጥ ኣቦ መንበር እቲ ኩባኒያን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ባልቻ(ኢ/ር)ን ክታሞም ከምዘንበሩ ተገሊፁ።

አሚአ ፓወር 300 ሜጋ ዋት ብምፍልፋል ን25 ዓመታት ንኢትዮጵያ ንምሻጥ ዘኽእል ስምምዕነት ኢዩ ከቲሙ።

Comments (0)
Add Comment