ኣብ መጥቃዕቲ ድልድል ክሬሚያ ኢድ ኣገልግሎት ድሕንነት ዩክሬን ኣለዎ – ቭላድሚር ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጥቃዕቲ ድልድል ክሬሚያ ኢድ ኣገልግሎት ድሕንነት ዩክሬን ከምዘለዎ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን እዚ ዝበሉ÷ እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ዝገበሩ ሓላፊ ኮሚቴ ምርመራ ገበን ሩሲያ ኣሌክሳንደር ባስትሪኪን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ፀብፃብ ምሰቕረቡ ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ከም ፀብፃብ እቶም ሓላፊ እንተኾይኑ÷ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ብኣገልግሎት ድሕንነት ዩክሬን ዝተዋደደ ከምዝኾን ሩሲያንውያን ናይ ወፃኢ ሃገር ዜግነት ዘለዎም ሰባትን ሓገዝ ኣብ ምግባር ተሳቲፎም ኢዮም፡፡

እቲ ኮሚቴ ምርመራ፤ ምስቲ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment