ኣብ መዓልቲ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምፍራይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘኽእል ኣብ መዓልቲ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንምፍራይ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ገሊፁ።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ምስፍሕፍሑ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ማስክ ናይ ምግባር ደምቢ እናተተግበረ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ቫይረስ እናተስፋሕፈሐ ብምምፅኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ንግዲ ቦታታት፣ ትራንስፖርትን ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታትን ማስክ ናይ ምግባር ግቡእ ንኽህሉ ተወሲኑ ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ።

ስለዝኾነ ድማ ሕፅረት ማስክታት ከየጋጥምን ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ንኽኸውንን ኢንዱስትሪታት ኣፍረይቲ ጨርቀመርቂ ናይ ጨርቂ ማስክታት ንኽፍርዩ እናተገበረ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ገሊፁ ኣሎ።

ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ወንድሙ ፍላቴ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ክዳውንቲ ጨርቀመርቂ ዘፍርዩ ፋብካታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) እናፍረዪ ይርከቡ።

ዓቕሚ እቶም ፋብሪካታት ብምዕባይ ኣብ መዓልቲ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ማስክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ተፈጢሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ድማ ካብ ሃገር ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንምልኣኽ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እቶም ማስክታት ንምፍራይ ዓቕሚ ዘለወን 67 ኣፍረይቲ ጨርቀ መርቂ ፋብሪካታት ከምዝተፈለያ እውን ኣይተ ወንድሙ ተዛሪቦም።

እቲ ፍርያት ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ካብ ምግባር ብተወሳኺ እተን ፋብሪካታት ስረሐን ጠጠው ከየብላን ሰራሕተኛታተን ከይብትናን ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘጋጠመን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣት ንኸንሳዕርራ ከምዝገብር ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ጨርቂ ልዕሊ 429 ሚሊየን ማስክታት ከምዝፈረዩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

Comments (0)
Add Comment