ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1 ሺሕ ዜጋታት ክምግብ ዝኽእል ማእኸል መመገቢ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዝተሃነፀ ማእኸል ምገባ ካልኣይ ተስፋ ብርሃን ብዕሊ ኣጀሚረን።

እቲ ሓደ ንቲ ሓደ ተስፋ ብርሃን ብምዃን ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ይግባእ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ካብ ምእታው ኮቪድ-19 ጀሚሩ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ምሕጋዝን ምድጋፍን ስራሕቲ እናተሳለጠ ከምዝፀንሐ ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ምገባ ኣብ መዓልቲ ንልዕሊ 1 ሺሕ ዜጋታት ንምምጋብ ዘኽእል ማእኸል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

መንግስቲ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ዜጋታት ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምሕባር እቲ ማእኸል ምምጋብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘላቕነት ስልጠና ረኺቦም ባዕሎም ንኽኽእሉ ከምዝስራሕ ኣገንዚበን፡፡

ፍልፍል፦ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment