ኣብ መንፈቕ ዓመት ዘፈር መዓድን ብዕፅፊ ዝዓበይ እንትኸውን ኢንዱስትሪን ንግዲን ትልሞም ከምዘዐወቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ መንፈቕ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ መንፈቕ ዓመት ዘፈር መዓድን ብዕፅፊ ዝዓበይ እንትኸውን ኢንዱስትሪን ንግዲን ትልሞም ከምዘዐወቱ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር እዚ ዝበለ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት ዘፈር ምስፍሕፋሕ ንግዲ ኣብ ዘካዶ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ ትልሚ መንፈቕ ዓመት 2013 ዓ.ም ኢዩ፡፡

ዳይሬክተር ጀነራል ምስፍሕፋሕ ወፃኢ ንግዲ ኣይተ ኣሰፋ ሙሉጌታ፥ እቲ ቤት ሚኒስቴር ዕዮ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ እቲ በጀት ዓመት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ፀብፃቦም ድማ ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ መንፈቕ ዓመት ብመንፅር ዝተትሓዘ ትልሚ 90 ሚኢታዊ ከምዘዐወተ ብምግላፅ፥ ምስ ተመሳሳሊ እዋን በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም እንትነፃፀር ድማ 18 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርኣየ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መፋርቕ ዓመት ትልሞም ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ፍርያታት ናይ ዘይቲ እኽሊ 132 ሚኢታዊ፣ ኣልባሳት 127 ሚኢታዊን ጫት 106 ሚኢታዊ ምምዝጋቦም ገሊፆም፡፡

ትሑት ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ፍርያታት ድማ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን 62 ሚኢታዊ፣ እንስሳት 64 ሚኢታዊ፣ ስጋ 66 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ልዑል ኣታዊ ካብ ሞንጎ ዝርከቦም ፍርያታት ሕርሻ ፃዕዳ ኣዳጉራን ሰሊጥን ምስ ተመሳሳሊ እዋን 2012 ዓ.ም ዝሐሻ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገቡ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment