ኣብ መንፈቕ ዓመት በጀት 2013 ዓ.ም ልዕሊ ብር 149 ቢሊየን ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንፈቕ ዓመት በጀት 2013 ዓ.ም ልዕሊ ብር 149 ነጥቢ 2 ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ሚኒሰስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብር 146 ነጥቢ 9 ቢሊየን ንምእካብ ተሓሲቡ ብር 149 ነጥቢ 2 ቢሊየን ምእካብ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ 102 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ብምዕዋት ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ብር 21 ቢሊየን ወይ ድማ 17 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣለዎ ኢሎም።

ካብ ሞንጎ እቲ ዝተረኸበ ኣታዊ ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣታዊ ብር 88 ነጥቢ 1 ቢሊየን ንምርካብ ተሓሲቡ 93 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዝተኣከበ እንትኸውን፥ ካብ ንግዲ ወፃኢ ድማ ብር 58 ነጥቢ7 ንምርካብ ተሓሲቡ 55 ነጥቢ 7 ቢሊየን ከምዝተረኸበ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ጨንፈራት እቲ ትካል ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይምስረሐን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ዝተፈጠሩ ፀገማት ፀፅታ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ዕንቅፋት ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment