ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ክልቲኣዊ ርክብ ዘጠናኽር ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ጉጀለ ልኡኽ አብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር አወል አርባን ካብኔኦምን ተዛቲዩ።

ኣባል ጉጀለ ልኡኽን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕን ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ከምዝሓበርዎ÷ ክልቲኦም ወገናት ንኽልቲኡ ህዝቢ ንቕድሚት ዘሰጉም ሃናፂን ዕውትን ዘተ ከምዝተኻየደ ኣብሪሆም።

አብ መንጎ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ክልቲኣዊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጅማር፣ ዝተዓፀው መገዲታት ክኽፈቱን ናፃ ርክብ ንኽህሉ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ክልቲአን ክልላት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምትእስሳር ንኽጅመር ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልቲኡ ክልል ገበን ንዝፈፀሙ አሕሊፎም ክወሃሃቡ መሐብኢ ገበነኛታት ክኾኑ ከም ዘይብሎም፣ ናይ ሓባር ትልሚ ሰላምን ፀጥታን ክህሉን በቢወርሑ እናተገምገመ ክምራሕን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ስምምዕ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment