ኣብ መንጎ ኢትዮ-ጂቡቲ ዝግበሩ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ርክባት ሓበራዊ ምርድዳእ ክብ ዘብሉ ኢዮም-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጂቡቲ መሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ  ኣቢሉ ካብ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ  እስማኤል ዑማር ጉሌ ዝመፅአ መልእኽቲ ተቐቢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከምዚ ዝበለ ርክባት ኣብ ምምዕባል  ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ጉዳያት ጠመተ ብምግባር ንምዝርራብን ምትሕብባርን ሓበራዊ ምርድዳእ ክብ ክብል ዝገብሩ ኢዮም ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment