ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ዝተገበረ ስምምዕነት ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ኢዩ – ኣምባሳደራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ዝተገበረ ስምምዕነት ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ኢዩ ክብሉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ገሎፆም።

እቶም ኣምባሳደራት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ስምምዕነት ግቡእ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር፥ እቲ ስምምዕነት ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞና ኣበይ ከምዝበፅሐ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ብዙነሽ መሰረት ብግደአን፥ ኣብ ዝተመደባሉ ሃገር ይኹን ካሊእ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ዝተገበረ ስምምዕነት ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ኢዩ ክብሉ እቶም ኣምባሳደራት ገሊፆም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment