ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ይውስኽ ኣሎ- ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ይውስኽ ከምዘሎ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ካዛን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሬክስ ብምርኻብ ተላዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ኣብ ከልቲኣዊ መድረኽ ነዝገበርናዮ ዓሙይቕ ዘተ ንፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን አመስገን ኢሎም።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክብ ዝተደረኸ ክልቲኣዊ ርክብና እናማዕበለ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ናይ ኩልና ዝኾነ መድረኽ ብሪክስ ስፍሕ ዝበለ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንክንሰርሕ በሪ ኸፊቱ ክብሉ ገሊፆም።

ሩሲያ ኣብ ውሽጢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እኳ እንተኾነት ኢኮኖሚያዊ ጥንካረ ብምሕላው ዕውትትቲ ምዃና ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ብግደኦም፥ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተቐባልነት እናወሰኸ ዝመፅአት ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮናት ዘሎ ርክብ ዝበለፀ ምምሕያሽ  ከምዘርኣየ እውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርከብ ጠመተ ከምእትገብር ገሊፆም።

ኣብዚ ‘ዓመት ፈላማይ ኮንፈረነስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ መስ ሃገራት ኣፍሪካ ከምእተካየድ እውን ሓቢሮም።

ምስዚ ተዛሚዱ፥ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪየንኮ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ዑደት ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ይውስኽ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment