ኣብ መንጎ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን እወንታዊ ርክብ ንክህሊ ክስራሕ ኢዩ- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እወንታዊ ርክብ ንክህሊ ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪን ኣመራርሓ ኣካዳሚ ቋንቋታትን ባህሊን  ኢትዮጵያ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ብምዃን ኣብ ፕሮጀክት መፅናዕቲ ኣትላስ/ፕሮፋይል ቋንቋ ኢትኖግራፊ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ፥ እቶም  ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ማንነቶም ተፀኒዑ ተግባራዊ ምግባሩ ሓድነት፣ ሕውነትን ማዕርነትን ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሰብ ዋና ሃገር ከምዝኾኑን ኣብ መንጎ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን እወንታዊ ርክብ ንክህሊ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment